Tigrinya ትግርኛ

ንኣንስቲ ምኽሪ ናብ እትህብ ገጽ መርበብ (Frauenberatung.EN

እንኳዕ ብዳሓን መጻእኽን እናበልና ልባዊ ታሕጓስና ንገልጽ

እታ ንደቂ ኣንስትዮ ምኽሪ እትህብ ገጽ መርበብ (Frauenberatung.EN) ካብ 20 ዓመታት ንላዕሊ ንዝኾነ ብሄር ወይ እምነት ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ እናመኸረትን እናሓገዘትን ትርከብ፡፡ ንሕና ደቂ ኣንስትዮ ቅልውላው እንተጋጢሙወን፣ ኣብ ኩነታት ናብረአን ጸገማት እንተጓኒፉወን፣ በጉልበት ዝበጽሐን ጸገም እንተሊዩ፣ ምስ ሰብኡት ኣብ ዘለዉወን ጸገማት ይኹን ምስ ሰብኡተን ተፋላሊየን እንትነብራን እንትፋታሓን ምኽርን ሓበሬታታትን ንህበን ኢና፡፡

ናይ ጉልበት ጉዳይ ብዝምልከት ምኽሪ

ኣብ ሙሉእ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ብጉልበት ጸገም የጋጥመን እዩ፡፡ ኣንስቲ ኣብ ስድራ ውሽጢ፣ ካብ በዓል ቤተንን ካብ ዘይፈልጠኦም ሰባትን ብጉልበት (ብሓይሊ) ጉድኣታት የበጽሑወን እዮም፡፡ ኣንጻር ደቂ ኣንስትዮ ጉልበት ምጥቃም ሰብኣዊ መሰል ወዲ ሰብ ምግሃስ ስለዝኾነ ኣብ ጀርመን የቕጽዕ እዩ!

ጉልበት ዝባሃሉ እዞም ዝስዕቡ እዮም፡

ኣካላዊ ጉልበት ማለት

  • እንድሕር ተሃሪምክን፣ ተረጊሕክን (ተከልችክን)፣ ተሓኒቕክን (ኣብ ክሳድክን ተታሒዝክን) ተደፊእክን
  • ብመሳርሒ ወይ ብናይ ሓደ ነገር መህረምቲ ኣብ ኣካልክን ምቑሳል እንትስዕብ
  • እንድሕር ንደቂ ኣንስትዮ ብግዲ ምኽንሻብ (ምግራዝ) ተፈጸሙ እዩ፡፡

ጾታዊ ጉልበት ዝባሃል፡

  • እንድሕር ተዓሚጽክን / ጾታዊ ርክብ ክትምጽማ እንተተገዲድክን
  • እንድሕር ጾታዊ ምርባሽ ተፈጺሙ (ብዘይ ድልየትክን ሰብኣይ እንተሒዙክን)
  • እንድሕር ኣብ ሽርሙጥና ክትኣትዋ ተገዲድክን እዩ፡፡

ስነልቦናዊ ጉልበት ዝባሃል፡

  • እንድሕር ተዋርድክን፣ ተጸሪፍክን፣ ሰብ ዓው ኢሉ ብሓይለ ቃል እንተተዛሪቡክን
  • እንድሕር ቁጽጽርን ቀጻልነት ዘለዎ ክትትልን ዝግበረልክን ኮይኑ
  • እንድሕር ባዕልኽን ክትውስና ዘይትኽእላ ኮይነክን (ንኣብነት ካብ ገዛ ንደገ ንምውጻእ)
  • እንድሕር ምፍርራሕ ዘጋጥመክን ኮይኑ (ንኣብነት ካብ ሰብኣይኽን እንተተፈሊኽን ክትቅተላ፣ ፍቓድ መንበሪኽን ክትስእና ደቅኽን ኪውሰዱ ከምዝኾኑ)
  • ብዘይድልየት ምምርዓው እዩ፡፡

ጉልበት ሕማም እዩ ዘስዕብ፡፡ ብዙሓት ኣንስቲ ብዛዕባ ተሞክሮታተን ኣይዛረባን፡ ፍርሒ ኣለወን ሕፍረት ይስመዐን እዩ፡፡ ዘጋጠሙኽን ተሞክሮታት ሒዝክን በይንትኽን ኣይትትረፋ! ምስ ገጽ መረበብ ኣንስቲ ቆጸራ ሓዛ. ኣብዚ ጭንቀትክንን ፍርሕኽንን ክተጥፍኣ ትኽእላ ኢኽን፡፡ ንሕና ዘለዉኽን መሰላት ዝምልከቱ ሓበሬታታት ክንህበክንን ንነብስኽን ካብ ጉልበት ከመይ ክትካላኸላ ከምትኽእላ ክንነግረክንን ኢና፡፡ እተን ዝሕግዛኽን ሰራሕተኛታት ምሽጥር ናይ ምሕላው ግቡእ ኣለወን፤ ምሳና ኩሉ ክትዛራረባ ትኽእላ ኢኽን፤ ዝሰማዕናዮ ንኻሊእ ሰብ ኣይናዛረብን1 እቲ ምኽሪ እውን ካብ ክፍሊት ነጻ እዩ፤ ኣይኽፈሎን፡፡

ናብ ንኣንስቲ ምኽሪ እትህብ ማሕበር ዝወስድ መንገዲ፡
ናባና ስልኪ ደዊልክን ወይ ኢሜል ጽሒፍክን ቆጸራ ሓዛ፡፡ ናይ ጀርመንኛ ወይ እንግሊዝኛ ቋንቋ ዘይትኽእላ እንተኮይንክን ወይ ፍልጠትክን ዘይእኹል እንተኾይኑ እትኣምነኦ ሰብ ክምዝድውለልና ግበራ፡፡ እታ ዝምልከታ መማኸሪት ነቲ ዝርርብ እትትርጉም ተርጓሚት ክትደልየልክን እያ፡፡

እታ ምኽሪ እትህብ ማሕበር (Frauenberatung.EN) እዞም ዝስዕቡ 3 ኣድራሻታት ኣለውዋ፡

58332 Schwelm                         58452 Witten                             45525 Hattingen
Markgrafenstr.6                                  Augustatr.47                               Talstr. 8 (2. Obergeschoss)
ቁጽርታት ስልኪ
02336  475 90 91                              02302  52 5 96                              02324  3809 30 50
ናይ ኢሜል ኣድራሻ፡ E-Mail: info@frauenberatung-en.de እዩ፡

ንናይ ድንገት ጉዳይ ዝምልከት ሓገዝ

ሓገዝ ዝህቡኽን ጸዋዓ! ንእትኣምነኦ ሰብ ንገራ፤ ንኣብነት ንሓንቲ ናይ ማሕበራዊ ጉዳይ ሰራሕተነኛ፣ ንተኻናኻኒ ገዛ (ሃውስ ማይስተር)፣ ንሓንቲ ጎረቤትክን ወዘተ…ንገራ፡፡

ኣብ ሐደጋ እንድሕር ኮይንክን እሞ ህጹጽ ሓገዝ ዘድልየክን እንተኾይኑ ንፖሊስ ብቑጽሪ ስልኪ፡ Telefon 110
ጸዋዓ፡፡ እቲ ፖሊስ ንኣብነት ንሰብኣይክን ወይ ንናይ ናብራ ማሓዛኽን ካብ ገዛ ወይ ካብ መጽለሊ ቦታ ን10 መዓልቲ ኪየውጽእ (ከውጽእ) ይኽእል እዩ፡፡

ገዛ ኣንስቲ

እንድሕር ደሊኽን ፖሊስ ናብ ገዛ ኣንስቲ ከእትወክን ይኽእል እዩ፡፡ ገዛውቲ ኣንስቲ ንኣንስትን ደቀንን ንምክልኻል ብፍሉይ ዝተዳለዉ ትካላት እዮም፡፡ እቲ ኣድራሻ እውን ምሽጥራዊ እዩ፡፡

ባዕልኽን እውን ናብ ናይ ከባቢኽን ገዛ ኣንስቲ በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ስልኪ ክትድውላ ትኽእላ ኢኽን፡ 02339 -6292
ብስልኪ ከመይ ኢልክን ናብ እቲ ገዛ ኣንስቲ ክትከዳ ከምትኽእላ ይነገረክን እዩ፡፡
ብዛዕባ ገዛውቲ ኣንስቲ ተወሰኽቲ ሓበሬታታት ንምርካብ እዚ ዝስዕብ ገጽ መርበብ ኣሎ፡ www.frauen-info-netz.de

ጉልበት ብዝምልከት ናትክን መሰል

እንታይነት መበቆል ሃገረን ይኹን ፍቓድ መንበሪአን ብዘየግድስ ኣንስቲ ኣብ ጀርመን ብመሰረት ካብ ጉልበት መካላኸሊ ሕጊ {Gewaltschutzgesetz (§ 1, §2 GewSchG)} ምልክታ ናይ ምቕራብ መሰል ኣለወን፡፡ እቲ ቤት ፍርዲ ንሰብኣይክን/ማሓዛኽን፡

  • ናብ ገዛ ከይምለስ
  • ናባኽን ከይቐርብ
  • በስልኪ፣ ብኤስኤምኤስ፣ ብዋትስኣፕ ወዘተ ርክብ ከይገብር

ምእጋድ ይኽእል እዩ፡፡

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እታ ንደቂ ኣንስትዮ ምኽሪ እትህብ ማሕበር ክትመኽረክን ትኽእል እያ፡፡

ተወሰኽቲ ሕጋዊ ሓበሬታታት፡